TBS TV

🔴 TBS TV| ብምምራፅን ብዘይምምራፅን | ሰነድ ስምምዕ ልምዓት | ተስፋ ሕውየት ትምህርቲ ትግራይ || ዜናታት 09 ታሕሳስ 2018

🔴ዜናታት እዚ ዕለት🔴

ንህዝቡ ዝሓልን ንዓዱ ዝፈቱን መሪሕነት ሕቶ ህዝቡ ይሰምዕን ምስ ደቁ ብሄሩ ይሰማዕማዕን -መልእኽቲ ቲቢኤስ

ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ን45 ንተዓዘብቲ ውሽጢ ሃገር ኣፍልጦ ሰርቲፊኬት ምሃቡ ተገሊፁ -እቲ ቦርድ

ቢሮ ቴክንክን ሙያን ስራሕ ዕድል ፈጠራን ምስ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ብሓባር ንምስራሕ ናይ ስምምዕነት ሰነድ ተፈራሪሞም -ቲቢኤስ

መንእሰይ ትግራይ ብክእለትን ፍልጠትን ተሓጊዙ ኣብ ዓዱ ክሰርሕን መነባባርኡ ከመሓይሽን ዝኽእለሉ ባይታ ክመቻቸውሉ ይግባእ -ኤልሳ ተስፋይ፡ ቢሮ ቴክኒክን ሙያን ስራሕ ዕድል ፈጠራን ትግራይ

ኣብ መንጎ እቶም ክልተ ትካላት ዝተኻየደ ሰምምዕነት ህይወት መናእሰይ ካብ ኣደዳ ስቓይን ሞትን ምዃን ዘትርፍን ቁጠባ ትግራይ ንምድንፋዕን ዝሕግዝ እዩ -ኤልሳ ተስፋይ፡ ቢሮ ቴክኒክን ሙያን ስራሕ ዕድል ፈጠራን ትግራይ

ሕውየት ትግራይ ዝረጋገፅ ትግራይ ንደቃ ስራሕ ዕድል እንትትፈጠርን ዘለውዋ ፀጋታት ናብ ረብሓ እንትቕየርን እዩ -ገብረሚካኤል ወልደ
ገብሪኤል(ፒኤችዲ)፡ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት

ብክልቲኡ ወገናት ዝተኻየዱ ሰምምዕነት ናብ ተግባር ምውዓልን ዘይምውዓልን ንምርግጋፅ ሚዲያታት ሓላፍነተን ክዋፃኣ ይግባእ -ገብረሚካኤል ወልደ ገብሪኤል(ፒኤችዲ)፡ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት

ኣብ ኣሃዱ ዘለና ተጋደልቲ ብዝተመሃርናዮ ትምህርቲ ዓድና ክነገልገል ፍቐዱሉና ኢልና ሰማዒ ስኢንና – ድምፂ ተጋደልቲ ንቲቢኤስ

ትካላት መስተ ማይ ትግራይ ዳግም ንምሕዋይ ይስራሕ ከምዘሎ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ትግራይ ገሊፁ -ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን

ኣብ ኣውስትራልያ ፅልኢት ዘረባ ከምዘይተተኣናግድን እዚ ዝፈፀመ ናብ ቪዛ ክልከላ ከምእተምርሕን ሓቢራ -ማዕኸናት ዜና ዓለም

ኣብ ደሴት ሆርሙዝ ዝተባሃለት ግዝኣት ኢራን ዝዘነበ ብርቱዕ ዝናብ ንማይ ባሕርን ውሕጅን ናብ ቀይሕ ሕብሪ (ደም ዝመስል) ከም ዝቐየሮ ተገሊፁ -ማዕኸናት ዜና ዓለም

እቲ ናብ ቀይሕ ሕብሪ ዝተቐየረ ውሑጅ ብሳይንሳዊ መገዲ እንተድኣ ተራእዩ ምስቲ ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ ፍሉይ ባህሪ መሬት ዝተተሓሓዘ እምበር ተኣምር ወይ መለኮታዊ ምልክት ኣይኮነን -ሰብ ሙያ እቲ ዓውዲ

#tbstv
#ውድብ ናፅነት ትግራይ
#ትግራይ መረፃ 2018
#ህወሓት
#ኣብይ ኣህመድ
#wedb natenet tgray |
#Tplf Election 2018
#tigray election 2018
#tbstv
#tigraibroadcastingservice #ቲቢኤስ #tigrai #tigray #ትግራይ #news #Tigray #ethiopia #eritrea #HornAfrica #Redsea #reels

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *