TBS TV

“ኣይንጣለም”

ኣብ ዘበን ዮሃንስ ምልክት ርእሲ ምቕናዕ ኣርእያ ዝነበረት ትግራይ፡ ብምኽንያት እቲ ኣብ መተማ ዝተረፈ ዉሉዳ፡ ወዲ ስላስ ዮሃንስ ዳግም ናብ ዝነበረቶ ቁልቁላዊ ጉዕዞ ዝኣተወት ከም ሎሚ ቅድሚ 136 ዓመት እዩ። ድሕሪ ዮሃንስ መንበረ ስልጣን ዝተቐበለ ሃፀይ ሚኒሊክ፡ ማእከል ፖለቲካ እታ ብኢድ ቴድሮስ ክጥርነፍ ዝተፈነት ሃገር ኣብ ሸዋ ክኸውንን ትግራይ ማሕበረ ቁጠባውን ፖለቲካውን ወሰንነት ክትትሕዝን ዝገበረ ነይሩ። እዚ ወሰንነት እዚ ዋላ እኳ ድሕሪ 1983 ዓ/ም ዘይከም ቃልሳን መስዋእታን ወሰንነታ ዘይገፈፈ ፖለቲካዊ መስርሕ እንተተዳዕነነት እቲ ካብ መቐለ ናብ ፍንፊኔ ዝኸደ ቤተ መንግስትነት ግን ቀዋሚ ሓደጋ ትግራይ ኮይኑ ካብ ምቕፃል ኣየብደየን።

እዚ ብምዃኑ ድማ ትግራይ ንሓደ ሚኢቲ ዓመት ካብቲ ኣብ ዘበነ መሳፍንትን ቅድሚኡን ዝነበረቶ ናብ ዝገደደ መሃሙቕ ኣትያ ምሉእ ፅንታ ታኣዊጁላ ብነፈርቲ እንግልዝን ጣልያንን፡ ብቁምቡላታት ራሻን እስራኤልን ክትጭፍጨፍ ግድን ኣብ ዝገብር ተጋድሎ ክትሽመም ግድን ኮነ። በዚ ድማ ከቢድ መስዋእትን ብሄራዊ ዕንወትን እናተአናገደት መፀት።

“በደልን ወፅዓን ኣይንቕበልን” ዝበሉ ተጋሩ፡ ዋላ ሓንቲ ዘበንን ንፅል ቅፅበትን ንኣርዑት ባርነት ተቐቢሎም እንትነብሩ ዘይተርኣየሉ ብሄራዊ መዋእል፡ ብ 1935 ዓ/ም ማለት እውን ቅድሚ 82 ዓመት ከምዚ ቅንያት “ከምዚ ኢልካ ካብ ምንባር ሞት ይሕሽ” ዝበሉን ኣብ ዋይ ኣነ ዝተመስረተ ሕራነ ዝሰነቑን ደቂ ትግራይ፡ ኣንፃር እቲ ብወፃእተኛታት ዝሕገዝ ስርዓት ሃፀይ ስላሰ ጠጠው ክብሉ ተራኣዩ። “እምቢ” በሉ። ወየኑ። እዚ እምቢታ እዚ ብሓደ ወገን ነባር ክብርን ብሄራዊ ቀለምን ትግራይ ዘበገሶ እንትኸውን ብካልእ ወገን ድማ ሰብ ፍጡር ከተአናግዶ ዘይኽእል በደልን ነዚ በደል ክስከም ዘይፈቐደ ክቡር እንግዳዕን ዝፈጠሮ ፍትሓዊ ተጋድሎ እዩ ዝነበረ።

ርሾ እቲ ቀፂለን ኣብ ዝነበራ ዕስራ ሰላሳ ዓመት ዝተወለዐ ብሄራዊ ተጋድሎ ዝኾነ ቃልሲ ቀዳማይ ወያነ፡ ኣብ ዝንተ እለታዊ ታሪክ ትግራይ ተኾሊዑ ዝነብር ሓቂ ኣለዎ። ከም ህዝቢ “ንምንታይ ኣብ ተመሳሳሊ ቦታ ንወድቕ? ንምንታይ ብተመሳሳሊ ፈተና ንሕለኽ? ንምንታይ ሓንቲ ዓይነት ፀገም፡ ፀገም ዘዝመፁ ወለዶታት ትኸውን?” ዝብሉ ሕቶታት ካብ ምምላስ ዝመፅእ ሓቂ!

ብህይወት ፀኒሖም ውዕሎን ቅያን ሓርበኛታት ቀዳማይ ወያነ ከዘንትዉ ዕድል ዝረኸቡ መራሒ እቲ ወያነ ዝነበሩ ብላታ ሃይለማርያም ረዳ ካብ ቃልሲ እቲ ወለዶ ክውረሱ ዝግብኦም መሰረታዊ ሓቅታት ብ ኣንደበቶም ኣመሓላሊፎም እዮም። ንሶም ሓደ እዋን “ታሪኽ ተጋሩ ታሪኽ መከራ፣ ግፍዒ፣ ብርሰት፣ ስቓይን መቕተልትን እንትኸውን፤ ብኻሊእ ገፅ ድማ ታሪኽ ሓቦን ሓበንን፣ ታሪኽ ጅግንነትን ወያነን እዩ” እንትብሉ ተዘሪቦም ነይሮም። ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋንን ኩነትን ዝምስከር ወይ ክምስከር ዝግብኦ ካልእ ሓቂ ድማ “ተጋሩ ሰብ ፅኑዕ ሃይማኖት፣ ትግራይ ሰባ ፃዕረኛን ትጉህን እታ ዓዲ ድማ ዓዲ “ዓዲ ሓቅን እምነትን” ክብሉ ምግላፆም ንዝንተ እለት ዝሕሎ ክብሪ ኮይኑ ይሓልፍ ኣሎ፡፡

ብላታ ሃይለማርያም ንተካእቲ ወለዶታት ደቂ ትግራይ ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ ድማ “…. እሞ ደቀይ ኩሉ እቲ ዘሕለፍናዮ ታሪኽ ገረብ ዓረና ወያነ ብዝርዝር ከዋግዐኩም እየ፡” ይብሉ እሞ ዕላምኡ ድማ “ ምእንታንክትሕበኑሉን ክትምሃሩሉን፡፡” እንትብሉ ንታሪክ ክንርእየሉ ዝግባእ ኣጠማምታ የምህሩ።

ብላታ ሃይለማርያም ንታሪክ እነንብሉ ኩርናዕ፣ ሕሉፍ ቅያ ክንርድአለ‍ኡ ዘለና መንገዲ ከምኡ እውን ኣብ ወለዶታት ዝህሉ ዝምድናን ምትእስሳርን ኣብ ዘምህር ቓሎም “…. ንሕና ካብ ዝነበረና ተጋድሎን ወያነን ፀፅቡቖም ክትኮርዑሎም እቶም ኣብ ከይዲ ዝፈፀምናዮም ጌጋታት ድማ ክትምሃሩሎም እየ ዝደሊ፡፡” ዝደሊ ምባሎም ልቦና ተጋሩ እቲ ዘበን እውን ዘመላኽት፣ ታሪኽ ካባይን ካብ ባዕለይን እዩ ዝጅምር ዝብል ቄናን ኣፀሓሕፋ ዝእርም ኢሉ እውን “ንሂስን ነቐፌታን ክፍቲ እየ” ዝብል ተሪር ሕልናዊ ቁመና ዘመላኽት ኮይኑ ንረኽቦ።

“ኣውራ ግና” ይብሉ ብላታ…. “ኣውራ ግና ካብ’ቲ ዘይሓዊ ሕማም ተጋሩ ኮይኑ ዝነበረ፡ ንኣና እውን ኣርኪቡ ልዕሊ እንግሊዝን ገዛእቲ ሸዋን ዝጎድአና ናይ ዘይምሕባር ሕመቕና ብዙሕ ክትምሃሩ እደሊ፡፡” እንትብሉ ኣብ ተጋሩ ዝፀነሐን ሕዚ ንዘላ ትግራይ እውን ክሳዳ ሓኒቑ ዒቕ ዒቕ ዘብላ ዘሎን ሕማም ሓድነት ኣልዒሎም ሰማዒ ኣሎ ብዝብል እምነት ተዛሪቦም ምንባሮም እዚ ዕለት እንትዝከር ክዝከሩ ካብ ዘለዎም ነጥብታት እዩ።

ንሶም ነቲ ኣብ ሓድነት ተጋሩ ዘሎ ዝበልዎ ፀገም “ልዕሊ እንግሊዝን ገዛእቲ ሸዋን ዝጎድአና” እንትብሉ እዮም ዝገልፅዎ። እዚ ከምዛ ሕዚ ኣብ ትግራይ ዘለዉ ዘምስሎም ሓተታ ፀገም ዝተዓዘበ ሰብ፡ ድሕሪ ፕሪቶርያ ኣብ ዘላ ትግራይ ዘሎ መሰረታዊ ፀገም ሓድነት ምዃኑ ይርእይ እሞ ግቡእ ምህሮኡ ክወስድ ዝገብር እዩ። “ልዕሊ ሰራዊት ሻዕብያ ዝጎደአና፣ ልዕሊ ዝተዋደደ ሓይሊ አምሓራን ፌደራልን ዝጎደአና፣ ልዕሊ ድሮናት ዓረብን ስቕታ ዓለምን ዝጎደአና እቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ናይ ዘይምሕባር ፀገም እዩ” ክብል ይኽእል።

እቲ ዝገርም እዚ ሓቂ እዚ ቅድሚ 136 ዓመት ኣብ ደንበ ዮሃንስ ተራእዩ። እዚ ሓቂ እዚ ቅድሚ 82 ዓመት ኣብ ደጎል ቀዳማይ ወያነ ተራእዩ። እዚ ሓቂ እዚ ሕዚ እውን እዚ ትንታነ ይቐርብ ኣብ ዘለሉ ሰከንድ ኣብ ዘለናዮ ስርዓት ኣብ ትግራይ ዝርአ ዘሎ ፀገም እዩ። እዚ ብምዃኑ ልቢ ንዘለዎ “ብስሩ እምበር እንታይ እዩ ወሪዱና?” ዘብል ኮይኑ ንረኽቦ። “ሱር ዝሰደደ ሕመቕና ሓደ ዘይምዃና እዩ ነይሩ፡፡” ዝብሎ እዞም ሎሚ ኣብ ዝኽሪ ቀዳማይ ወያነ እነልዕሎም ኣቦ “ተጋሩ ሓድነትና እያ ውሕስነት መንነትና” ምባሎም ብዝተማለአ ልቡና እንመሃሮ እንተኾነ ልዕሊ ጭርሖ ፊሒት ክትብል ግን ኣነነትካ ምቕታል፣ ትግራይ ምቕዳምን ልዕሊ ውልቃዊ ድልየታትካ ምዃንን ትጠልብ።

ብላታ ሃይለማርያም ረዳ “ እንተሓቢርናን ሓደ እንተኾይንናን ጥራሕ ኢና ሓያላት ኮይንና መንነትና እነኽብር፡፡” ይብሉ እሞ “ሕድሪ፡ እዙ ታሪኽ ምምቕቓል ኣብ ደቅና ከይቕፅል፡፡” እንትብሉ ዘጠንቀቐ ኣንደበቶም ዝሰምዐ ትግራዋይ “እዚ ሰሚዕና ንህልው ኩነታትና እንትንርእይ ነብስና ክንዲ ፍረ ጣፍ ይፀሪ። ንሓፍር ንሓንኽ።” ክብል ምተደምፀ፡ ናብ ሓዉ ዝተዓመረ ብረት እውን ኣፈሙዙ ምቖረፀ።

ብላታ ሃይለማርያም ረዳ እንትቕፅሉ “መላገፂ ማንም ከይትኾኑ ሓድነትኩም ኣጠናኽሩ፡፡” ይብሉ። ዘረባ ብላታ፡ ማይ በሊዕዎ ትግራይ ከመይ “መላገፂ ማንም” ጥራይ ዘይኮነትስ መስሓቒት በደልታን መንዲል ኣፅነትታን ምዃና ንዝርኣየ ዝኾነ ትግራዋይ ብሕፍረትን ሕንከትን መሬት ተኸፊታ ክትውሕጦ ክፅሊ ምተገበአ።

ዘይግዱ እምባ ሒዙ በሎምየ ዝብል ወዲ እዚ ዘበን፣ ቅንጭ ዘይመፆ፡ ንሓዉ ስዒሩ ንብፃዩ ቀቲሉ ብዓወት መሰስ ዝብል ዝመስሎ ወዲ እዚ መዋእል፣ ምስ ናቱ ኮፍ ኢሉ ምዝታይን ብላታ ዝምነይዋ ሓድነት ምጉሳይን ዝኣበዮ፡ ኣብ ኣፍደገ እንዳ ቀተልቱ ጉምቡሕ ጥልዕ ክብል ክብርን ልዕልናን ዝመስሎ እዚ መድረኽ እዚ ዝፈጠሮ ሊሂቅ ፖለፊካነደ ቁጠባን፡ ዘረባ ብላታ ከምዘይሰምዐ፡ ወይ ሰሚዑ ብተና ከምዝመረፀ ክርዳእ ምኻኣለ።

እንተ እቶም አቦ “ሓደ እንተኾይንኹም ንፀላእትኹም ረዘንቲ ኢኹም፡፡ ሓደ እንተ ኾይንኹም ዓዲ ሊቃውንትን ጠቢባንን፣ ዓዲ ሰላምን ቅሳነትን፣ ዓዲ ሓልዮትን ራህዋን ኢኹም፡፡ ሓደ እንተዘይኮይንኩም ግን መላገፂ ማንም ክትኾኑ ኢኹም” ምባሎም ኣብ መበል 82 ዓመት ዝኽሪ ቀዳማይ ወያነ ክለዓል ዝግባእ እቲ ዝለዓለ ነጥቢ እዩ።

“ሓደ ኮይንካ ዶ ትነብር: ወይስ ተፈላሊኻ ትጠፍእ?”ሕርያኻ ይውስኖ።

01 ጳጉሜን 2017

መቐለ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *