TBS TV

ማሕበር ልምዓት ትግራይ፡ ህዝቢ ይስእና ዶ ይኸውን ይዉንና?

ነሓሰ 1981 ዓም ልክዕ ቕድሚ 36 ዓመት ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ብግዱሳት ደቂ ትግራይ ዝተጣየሸት ማሕበር ልምዓት ትግራይ፥ ነታ ብኲናት ተሃስያ፣ ብጥምየት ተጎስያ፣ ብሓደጋታት ድርቅን ደርግን በልያ ዝነበረት ትግራይ ሓዳሽ ተስፋን ዘላቒት ዋሕስን ክትከውን ዕላማ ተሓንጊጣ እያ ናብ ስራሕ ዝኣተወት። ትግራይ ኢሎም ዘይመንዉ፥ ውልቀ ህይወቶም ሂቦምን ዕጻ ስድራቤቶም ግዳይ ገይሮምን መዋእሎም ኩሉ ኣወፍዮምን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ህዝቢ ትግራይ ክውንና ሓሊኖም ዝተንቀሳቐሱ ላህመት ደቂ ትግራይ ነዛ ትካል ከዕብዩን ከዐንብቡን ዝኸድዎ ነዊሕ ርሕቐት ኣብ ታሪክ ትግራይ ድሙቕ ቅያ ኣብ ውልቃዊ ህይወቶም ድማ ሓለፋ ዘለዎ ናይ ክብሪ “ኣያ” ኮይኑ እንትምዝገበሎም ተራእዩ። ማሕበር ልምዓት ትግራይ መስሪቶም፣ መሪሖም፣ ወናኒት ትካላት ገይሮም፣ እተን ትካላት ድማ ንትግራይ መዋጾኦ ኮይነን፣ ብበዳህቲ መንገድታት ሓሊፎም ወዘተ 11 ጉባኤታት እንተሰላስሉ ኩሉ መንገዲ ሜዳ፡ ኩሉ ስራሕ እውን ሰተታ ነይሩ ምባል ዝከኣል ኣይኮነን። እዚ ኩሉ መስዋእቶም በረከት ትግራይ ኮይኑ ክሰኣለሎም ገይሩ እዩ ግን ሓሊፉ። ናይቲ ኣብዚ ከይዲ እዚ ዝተመዝገበ ዓወት እቲ ዝለዓለ መግለጺ ግን እታ ማሕበር ህዝቢ ክውንና ህዝቢ ከይስእና ካብ ምግባር ዝብገስ እዩ ነይሩ።

ማሕበር ልምዓት ትግራይ “ካብቲ ዝሰረሐቶ ናይ መሰረተ ልምዓትን ማሕበራዊ ልምዓትን ስራሕ ንላዕሊ ባህጊ ልምዓትን ምልማዕን፣ ቀለበት ሓድነትን ትግራዋይነትን፣ ስንዲድ ጽባቐን ድምቀትን ኮይና ዘገልገለቶ እዩ እቲ ዝዓበየ ኣበርክቶ” ዝብሉ ሊሂቃን ብዙሓት እዮም። ኣብ ሕሉፍ 11 ጉባኤታታት ሕሉፋ ስራሕ እናገምገመት፣ መጻኢኣ እናተለመት፣ መሪሖም ንቅድሚት ክወስድዋ ዝኽእሉ ኣካላት እናመረጸት እያ ኣብዚ ዝበጽሐት እሞ ናይዚ ሓደ ኣካል ድማ 18 ሚያዝያ 2017 ዝጀመረ መበል 12 ጉባኤኣ “ጉባኤ ተስፋን ሕውየትን” ሰይማ ብድምቀት ነይሩ ዝጀመረቶ። ናይ ድምቀቱ ምስጥርን ናይ ትጽቢታት ዋጋን እቲ ዝለዓለ መግለጺ ግን እታ ማሕበር ህዝቢ ክውንና ህዝቢ ከይስእና ካብ ምብሃግ ዝብገስ እዩ ነይሩ።

እንተኾነ ኣብ መበል ሳልሳይ መዓልቲ ናይቲ ጉባኤ ዝተትሓዘ መደብ ምምራጽ መሪሕነት ቦርድ እታ ማሕበር፥ ዘይተሓሰበ ዝመስል ጎነጽ ፈጢሩ ኣቐዲሙ እውን ብዙሕ ሪኢቶ ዝውሃበሉ ዝነበረ ጉዳይ ዘይሻራውነት እታ ትካል ንቃልሲ ጎሊሁ ዝወጸሉ ኮይኑ ተራእዩ። ኣብ መንጎ ብህዝቢ ክትውነን ምግባርን ካብ ኢድ ህዝቢ ክትወጽእ ምግባርን ዝተሰኽተተ ድስቲ ጎነጽ ጋርጋር ኢሉ ክሳብ ረጊጽካ ምውጻእ ዝበጽሕ ኩነት ተፈጢሩ። እታ ትካል ናይ ኩሉ ትግራዋይ ትካል ብምዃና፡ ካብ ዝኮነ ይኹን ፖለቲካዊ፣ ሃይማኖታዊ፣ ዓሌታዊ፣ ጥቕማዊ ወይ ካልእ ውግንና ሓራ ኮይና ጽላል ሓድነት ተጋሩ ክትከውን ኣቐዲሙ እውን እንተኮነ ቃልሲ ዝግበረሉ ዝነበረ ምኽረ ሓሳብ ኣብዚ ኣደራሽ እዚ ብዓውታ እንትድመጽ ተራእዩ።

ልዕሊ 500 ጉባኤተኛታት ከምዝተሳተፍሉ ዝተነገረሉ ጉባኤ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጥቕሉል መግለጺ እቲ ኣፈላላይ ናይ ውድብ ውግንና ዘለዎም ኣካላት ናብ መሪሕነት ብዛዕባ ምምጻእን ዘይምምጻእን ዝምልከት ምዃኑ ድሒሮም ኣብ ዝወጹ ዘለዉ መግለጽታትን ሪኢቶታትን ንምግንዛብ ይከኣል። እንተኾነ እቲ ኣብቲ ኣደርሽ ዝነበረ ብቕሉዕ ዓመጽን ዓውዓውን ዝተዓጀበ ኣካይዳ ኣይኮነን ንኩሉ ኣብ እትሓቁፍ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ዝኮነ ይኹን መድረኽ ትግራይ ክህሉ ዘይግባእ እዩ ዝብል ሪኢቶ ዘለዎም ኣካላት ይበራኸቱ ኣለዉ። መበገሲ ሪኢቶኦም “ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንወንና ዶ ንስኣና?” ናብ ዝብል መጻብብ ዝወስድ ብምዃኑ እዩ ዝብሉ እውን ብዙሓት እዮም። በቲ ዝነብረ ዓውዓውን ናብ ዓመጽ ዘዘንበለ ኣካይዳን ምኽንያት እቲ ጉባኤ ረጊጾም ዝወጹ ከምዘለዉ ዘረጋገጽና እንትኾን፡ ነቲ ዝተረፈ ጉባኤተኛ ሒዞም ኣኼቦም ዝቐጸሉ ጉባኤተኛታት እውን መሪሕነቶም መሪጾም ዕላዊ ገይሮም ከምዘለዉ ንርምዳእ ኪኢልና ኣለና።

“መበል 12 ሓፈሻዊ ጉባኤ”ጉባኤ ሕውየትን ተስፋን” ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንቐፀልቲ 3 ዓመታት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ከብፅሑዋ ተባሂሎም ብኣባላት ሓፈሻዊ ጉባኤ ዝተሓረዩ 13 ኣመራርሓ ቦርድን 5 ቁፅፅር ኮምሽንን ማልት ብምምራፅ ተዛዚሙ።” ዝብል ዜና ኣማስዩ ብወገን እታ ማሕበር ዝወጸ እንትኸውን እቲ ዝነበረ ዕግርግርን ዓውዓውን እውን መብርሂ ሂቡሉ ኣሎ። ኣብ መብሪሁኡ ኣብቲ ንሰለስተ መዓልቲ ዝፀንሐ ሓፈሻዊ ጉባኤ ማልት ሕሉፍ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ 6 ዓመት፣ ስትራቴጂክ ትልሚ 3 ዓመትን ፀብፃብ ቁፅፅር ኮሚሽንን ቀሪቦም ጉባኤተኛታት ዘትዮም ከምዘጽደቑ ገለጸ እሞ፥ ኣብ ከይዲ መረፃ ዝነበረ ዘይምስምዕማዕ ዝተዓዘቡ ተወከልቲ በዓል መዚ ትካላት ሲቪክ ማሕበራት ፌደራል እቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ንኽናዋሕ ናይ ውሳነ ሓሳብ ኣቕሪቦም እንትብል ናይቲ ዓውዓውን ዓመጽን ዓቐን ንምግላጽ ፈትኑ ኣሎ። እንተኮነ ኣብ ጸብጻብ እቲ ማሕበር ተወዲቦም ዝወጹን ኣካይዳ እቲ መረጻ ዝተቓውሙን ተወከልቲ ዞባ ደቡብ ኣፍልጦ ኣይሃበን። እቲ ጸብጻብ እንትቕጽል “ ብኣብዝሓ ድምፂ ጉባኤተኛታት እቲ ከይዲ መረፃ ክቕፅል ብምግባር መማረፅትን ቆፀርቲ ድምፅን ብምስያም ኣመራርሓ ቦርድን ኮሚሽን ቁፅፅርን ማልት ክምረፁ ተገይሩ እዩ።” ክብል ከይዲ እቲ መረጻ ሕጋውነትን ቅቡልነትን ዝሓለወ ምኳኑ ጠቒሱ። መራሕቲ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ቀጸልቲ ዓመታት ን ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ እቲ ብደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ክንፊ ህወሓት ዝኮኑ ዶክተር ኪሮስ ጉዕሽን ዶክተር ሰለሞን ክዳነን ዝሓወሰ ምዃኑ ጸብጻብ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣመላኺቱ ኣሎ። እዚ ከም ዓወት ክውሰድ ዝከኣል አዩ። እዚ ከም ምትግባር ሕግን ደንብን እታ ማሕበር ክውሰድ ይከኣል እዩ። ሕልፍ እንትብል እውን “ብዓወት መሰስ ኢልና” ኢልካ ክትጭርሕ ዝገብር ክኸውን ይኽእል እዩ። እንተኾነ እዚ ኩነታት እዚ ዋላ ሓደ ሰብ እሞ ድማ ትግራዋይ ክጎድላ ንዘይግባእ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣዕርዩ ከምዝሃሲ ሓደን ክልተን ኣይብሉን።

ዘይሻራውነት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝሽርሽር፣ ህዝባዊ ውግንና እታ ማሕበር ዝጎድእ፣ ብሓደ ውድብ እሞ ድማ ብሓደ ፍንጫል እቲ ውድብ ክዕብለል ዝገብር መረጻ ቦርድ እታ ማሕበር፡ ካብ ሰናይ ተግባራን ታሪኻዊ ግርማኣን ዘጉድላ እዩ” ዝብል ቅዋም ዘለዎም ኣካላት ነዚ ከይዲ እዚ ዝተቓወሙ እንትኾኑ ካብዚኦም ሓደ ጌታቸው ረዳ እዩ። ኣማኻሪ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪካ ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ዝኮነ ጌታቸው ረዳ ኣብ ፌስቡክ ገጹ ኣብ ዘስፈሮ ሓጺር መልእኽቲ “ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኩሉ ትግረዋይ ብልቢ ከምናቱ ካብ ዝቖፅሮም ትካላት ሓደ እዩ” ምስ በለ፡ “ሓድነት ተጋሩ ኣብ ምርግጋፅ’ውን እቲ እንኮ ትካል’ዩ” ክብል ኣገዳስነት እታ ማሕበር ኣብሪሁ። “ጉጅለ ድሕረት” ኢሉ ዝጸወዖ ሓይሊ “ነዚ ትካል’ውን ከምድሌቱ ክዝውር ዘለዎ ደረት ኣልቦ ድሌት ብዕሊ ናይ ሞትን ሕየትን ዓገርገር ክገብር ምርኣይ ዘሕዝን’ዩ” እንትብል እቲ ዘጋጠመ ዕግርግርን ናብ ዓመጽ ዘዘንበለ ከይዲ መረጻን ቀንዲ ምኽንያቱ ንማሕበር ልምዓት ትግራይ ንምውናን ዝግበር “ጸደፍደፍ” ምዃኑ ኣብሪሁ። “ሓድነትና ዘገድሶ ኩሉ ወገን ብዕቱብ ክነፅጎ ይግባእ::” ዝበለ ጌታቸው ረዳ “ዓገብ ንበል! እዚ ጉጅለ እዙይ እተን ዝተረፋና ትካላት ከመራስሕ ዕድል ክዋሃቦ የብሉን!!” ክብል እውን እቲ ጉዳይ ጉዳይ ምውናን ወይ ምስኣን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዝለዓል ሓደ መሰረታዊ ነጥቢ ጌታቸው ረዳ ኣባል ቁንጭዕቲ መሪሕነት ውድብ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣባል ላዕለዋ መሪሕነት ህወሓት ኮይኑ መሪሕነት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ክኸውን ሰፊሕ ቃልሲ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ቅዋም ጌታቸው እቲ ሕዚ ዘሎ ቅዋሙ ድዩ ነይሩ ዝብል እዩ። እዚ ንታሪክን ንትዕዝብን ገዲፍና ግን ጌታቸው ረዳ ሕዚ “ኩለን ትካላት መጥቀሚ ጉጅልኣዊ ረብሕኡ ክገብር ናይ ዝኸዶ ዘሎ እኩይ ኣካይዳ ኣካል እዩ ክብል ነቲ ሕዚ ኣብ ኣደራሽ ዝተገበሩ ናይ ሰብኡት “ምጉራዕ” ኮኒኑ ኣሎ።

መሪሕነት ውድብ ሳልሳይ ወያነ ሃይሉ ከበደ ብወገኑ “እቲ ማሕበር ንምንታይ እዩ ሐዚ ኣብ ዘይተረጋግዐ ኩነታት ጉባኤ ክገብር ደልዩ?” ብዝብል ሕቶ ዝጅምር ሪኢቶኡ “ሐዚ ደኣ ፖለቲካ ትግራይ ፣ ሓድነት ትግራይ ፣ ፀጥታ ትግራይ ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት ኣብ ዘለሉ ግዘ ንምንታይ ጉባኤ ዘይገበርኹ ኢሉ” ብምባል ናይቲ ጉባኤ እዋናውነት ወይ “ታይሚንግ” ሓደ ነጥቢ ክትዕ ምዃኑ እዩ ዝገለጸ። “ኣይኮነን ሎሚ ናይ ሃለዋት ሕቶ ዘጋጠሞ ሓይሊ ቀድሚ ሐዚ ሙሉእ ትግራይ ምስ ዓቕሚታታ ፣ ሙሉእ ህወሓት ምስ ሕጋዊነታ ሒዙ እውን “ስራሕ ፈፃሚ ማልት ናተይ ተጠባባቒ ሰራሕ ፈፃሚ ተዘይመሪሕዋ ዋላ ትበተን” ዝብል ቅዋም ዘለዎ እንድዩ ግዲ ብምባል ስም እቲ ተተካኢ ጠቒሱ ባህሪ እቲ ኣብ መንጎ ህወሓትን ማልትን ዝነበረን ዘሎን ርክብ ክገልጽ ይፍትን።

“ሓይሊ ህወሓት ወይ 100 ሚኢታዊ ወይ ባዶ ሚኢታዊ ብዝብል ስልሒት ዝኸይድ እዩ” ክብል ንከይዲ መረጻ ቦርድ ማልት ዝጠመተ እዚ ፖለትከኛ እቶም ረጊጽና ወጺእና ዝበሉ ኣካላት እውን ጌጋ ውሳነ ምውሳኖም ብ ኣብነት ኣረዲኡ። ንሱ ከምዝብሎ “እቲ ኣኼባ እቶም ተደፊእና ዝብሉ ዘለዉ ተመራሪፆም ምውናን ምኸኣሉ፡ እቲ ኣኼባ ዋላ ኣብ ካሊእ ኣዳራሽ እውን ምቕጻል ምኸኣሉ።” ብድሕሪ እዚ እቲ ቦርድ ውግንንኡ ምስ መን ከም ዝኾነ ንምፍላጥ ቀሊል ምኮነ ዝብል ሓሳብ ኣካፊሉ ኣሎ። ኣብ መወዳእታ ጽሑፉ “ብምህዳምን ብምግዳፍን ዘይኮነስ ብምውናን እዩ ፍታሕ ዝርከብ” ክብል ምኽረ ሓሳቡ ኣካፊሉ።

እቲ ዝነበረ ዕግርግርን ብረብሻ ዝተሰነየ ናይ መረጻ ከይድን ቅድም ኢሎም ኣብ ዝተፈላለዩ ኣደራሻት ይካየዱ ምስ ዝነበሩ ዕግርግራት ተመሳሳልነት ከምዘለዎ ዝግለጽ ዘሎ እንትኸውን ነታ ማሕበር ኣዕርዩ ከምዝሃስያን ዓቕምታታ ከምዘጉድሎን ይግለጽ ኣሎ። እዚ ድማ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ህዝቢ ይወንና ዶ ይስኣና ዝብል ሕቶ ተባራዓይ ሕቶ ተጋሩ ክኸውን ይገብሮ’።

ቲቢኤስ ቲቪ ልክዕ ከም ቀዳሞት ትንታነታቱን መደባቱን ፈተና ህዝቢ ትግራይ ኣይኮነን ተፈናጪልካ ተወዲብካ እውን ንምፍትሖም ከበድቲ እናኾኑ ስለዝመጹ ከምዚኦም ዝበሉ ምክፍፋላት ባዕልኻን እቃለሰሉ እትብሎ ዓድኻን ደሚሩ ናብ መሃሙቕ ዘእትው እዩ ይብል። ኣብ ፈጻሚት ህወሓት ዝተጀመረ ምክፍፋል ከም ጀዲድ ማዕረ ቑመት እናተጨደደ ናብ ማእከላይ ኮሚቴ እቲ ውድብ ወሪዱ ዓቕሚ እቲ ውድብ ብኡ ኣቢሉ ድማ ዓቕሚ ህዝቢ ክኽፍል ብምግባሩ ሕዚ ንዘሎ ጸሊም መድረኽ ትግራይ እቲ ዝለዓለ ኣበርቶ ዝወሰደ ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ ላዕለዋይ ካድረ ዝቐጸለ ምክፍፋል ናብ ኣባላት ወሪዱ ኣብ ሕምብርቲ ህዝቢ ኣትዮም ብዝፈጥርዎ ጎጎይታኻ ናይ ምድጋፍ ወፍሪ ህዝቢ እውን ብማዕሪኦም ክጭደድ ይገብሩ ብምህላዎም ኣብ ህዝቢ ትግራይ ተራእዩ ዘይፈልጥ ናይ ሓድነት ነቓዕ ኣብ ምፍጣር እዚ መሪሕነት እዚ በዓል ዓብዪ ብጽሒት ኮይኑ ኣሎ።

እዚ ጥራይ ዘይኮነ መራሕቲ ህወሓጥ እቲ ብምኽንያት ከረድእዎ ዘይኽእሉ ምዃኖም ዝንገረሉ ኣፈላላዮም ናብ ጅግና ሰራዊት ኣትዩ ነንባዕሉ ናብ ምትዃስ ዝወሰድዎ እንትኸውን ሰራዊት ከም ኣካል ኣብ ኢድ ብኣጻብዕቲ ዝቑጸሩ ተለማመድቲ ፖለቲካ ኣትዩ ክሓቅቕ ኣብ ምግባር እውን ናይዚ መሪሕነት እዚ ተግባራዊ ድፊኢትን መሪሕነትን ቀሊል ኣይኮነን።

ንትካል እግሪ ምትካል ትግራይ ሓዊሱ ብዙሓት ናይ ህዝብን ናይ ልምዓትን ትካላት ኣብ ንሕናን ንስኹምን ኣእትዮምወን ኣለዉ። ካልእ ይትረፍ ከተማታትን ዞባታትን ከክልተ ኣማሓደርትን ከንቲባታትን ተሸይምለን፡ ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ “ናይ መኒኦም ኢኻ” ንዝብል ዘይጽቡቕ ቋንቋ ዝግለጽ ዝምድና ሒዘን ዓዲ ኣብ ኢድ ከብዲ ኢድ መራሕቲ እናጠፍአት ናብ ልቡ ተመሊሱ ኣብዚስ ደው ንበል ዝብል ኣካል ተሳኢኑ ኣሎ። ከይዱ ከይዱ እዚ ናብ ከም ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምእታዉ እውን ኣይተረፈን። “ረጊጽና ወጺእና” ዝብል ሓይልን “ብዓወት መሰስ ኢልና” ዝብል ሓይልን ሕዚ ኣብ እግሪ እታ ደቃ ብምብታኖም እትጉሂ ሓንቲ “ቲዲኤ” ትርጉም ዘይብሉ ዘረባ ኮይኑ ኣሎ።

ንመዛዘሚ ክኾነና ነታ ማሕበር ብ ቦርድ ኣቦወንበርነት እናመርሐ ዝመጸ ታደሰ የማነ ድሕሪ እዚ ኩሉ ዕግርግርን “ምጉራዕ” ሰብኡትን ዝጸሓፎ ክንነግረኩም። ታደሰ “ድሌቱ ኣፈላላይ ይሃልወና፣ ማሕበር ልምዓት ትግራይ፣ ናተይ፣ ናትኩም፣ ናትና እያ። ምእንተ ቀፃልነትን ዕብየትን ማሕበርና፣ እናተኻታዕና ሓገዝና ነበርትዕ።” እዩ ዝበለ። እዚ ጥዑም ቃል እዚ ጽቡቕ መራሒ ዝዛረቦ ምክፍፋል እታ ማሕበር ንዝፈጥሮ ዘሎ ሓደጋ ግን ብቕልጡፍን ብምሉእነትን ዘይሕክሞ ኮይኑ ሓሊፉ ኣሎ። ሕዚ “ማሕበር ልምዓት ትግራይ ህዝቢ ክውንና ድዩስ ክስእና?” ዝብል ሕቶ ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት ዘይኮነስ ገና ኣብ ተግባራዊ ምንቅስቓሳታን ምዕዋት ዕማማታን ዝርከብ ምላሽ ኮይኑ ኣሎ።

ሰላም ንትግራይ

21 ሚያዝያ 2017

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *