TBS TV

ሓዉ ዝቐተለ ጓና ኣይኣምኖን!

ባዕልኻ ንባዕልኻ ምጥልላፍ፣ ሓው ኣብ ልዕሊ ሓው ምልዓል፣ ፀላኢ አቐሚጥካ ነንባዕልኻ ብፀላኢነት ምፍርራድ ከይዱ ከይዱ እዚ ሐዚ ተፈጢሩ ዘሎ ፀገም ክፈጥር ከምዝክል ዝተጎልበበ ሓቂ ኣይኮነን። ክልተ ፍንጫላት ህወሐት ነንባዕሎም ክጠፋፍኡ፣ ክፈራረዱን ክጠላለፉን ዝኸፈትዎ ኩሉ ዓይነት ዳስ፡ ዕማማት ምፍፃም ስምምዕ ፕሪቶርያ ክውግን ብሓላፍነት ናብ ዝተውሃቦ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣትዩ እግሩ ዝተሰንከለ ካብ መቐለ ዘይወፅእ ምሕደራ ክፍጠር ገይሩ ኣሸንባይ ዕማማት ፕሪቶርያ ክፍፅም መቐለ ብዘይ ገበን ውዒላ ክትሓድር ምግባር ተሳኢንዎ አይህልው ኣይምዉት ኮይኑ ክልተ ዓመት ኣጥፊኡ።

እዚ ናይ ህወሓት መሪሕነታዊ ቅልውላው ናብ ጅግና ሰራዊት ትግራይ ኣትዩ ኣብ ውሽጢ እቲ ሰራዊት ምክፍፋል ካብ ምፍጣር ክሳብ መሳርሒ ሓደ ንፅል ጉጅለ ምዃን ዝዘለቐ ሕመቕ ክላበስ ገይሩ ትግራይ ዘዘጥረየቶ ትካል ሕቖኡ ክጉዘ ገይሩን ይግበር ኣሎን። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ ግብረ ክፋእ እዚ ተናቛታይ ሓይሊ ናብ ህዝቢ ልሒኹ ብከባብን ቁሸትን ምሕሳብ ንቡር ናብ ዘምስል ብርኪ ተሰጋጊሩ ትግራይ እናተራኣየት እትሓቅቕ ዓዲ ክትከውን ዝካኣሎ ኩሉ ገይሩ።

ድሕሪ እዚ ከምዚ ዝበለ ምሕንሻሽ ብሄራዊ ክብርን ፀጋን ቤትካ ቅልፅም ጓና እንተነቕነቖ ዘዛርብ ኣይብልካን። ጎምነል ብዕራይካ ፀላኢ እንተሓረዶ፡ ገረብ ዓድኻ ፋስ ወዲ ማዕዶ እንተንደዶ ካብ መግነዝካ ምዕራይ ወፃኢ እዚ እባ እዚ እባ ዘብል ኣይብልካን። እንተምንታይሲ እቲ ሕዚ ዝከውን ዘሎ ናይቲ ቅድም ኢልካ እናዓመምካዮ ዝመፃኻ ዋኒን ውፅኢት እዩ እሞ።

ብባእስን ጎነፅን እዞም ደቂ ሓንቲ ህወሓት ፍረ ሓንቲ ግራት ዝኾኑ ኣካላት ዝኸሰረ ሓደ ህዝቢ እምበር ዘይከሰበ ዋላ ሓደ ፀላኢ የለን። ሓቢሮም ዝመከቱ፣ ሓቢሮም ዝሞቱ፣ ሓቢሮም ዝመርሑን ዝተመርሑን ኣካላት ኣነነትን ህልኽን፣ ክፋእን ጎይታነትን ሓኒቑ ሒዝዎም ካብ ምስ ሓወይ ምልዛብ ናይቲ ኣብ ማዕዶ ኮይኑ ብዓቃዓቂቶኡ ዝስሕቐኒ ዘሎ ፀላኢ ምሕጓስ ይሕሸኒ ኢሉ፡ ጨላልቃ ከይዱ ዉዱቡ በቲኑ ኣብ ዝባን እትጥሕል መርከብ ባንዴራ ዓወት ክተክል ይጭድር ኣሎ።

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኩሉ ዓይነት በደል ንምፍፃም ምሉእ ድፍረትን ትብዓትን ዝረኸቡ ኣካላት ነዚ ፀወታ ሃሳሳት እዚ ብድሙቕ ክምስታ ክዕዘብዎ ድሕሪ ምፅናሕ እነሆ ትግረይ ያኢ ብኢመይል መራሒ ክትጥቁም ዕድል ተዋሂብዋ ኣብ ዘየቕልድ ፖለቲካ ናይ ቀልዲ ወፍሪ ተጀሚሩ ንርእይን ንሰምዕን ኣለና።

ነዚ ስዒቡ ጀነራል ታደሰ ወረደ ቀፃሊ ፕረዚደንት ትግራይ እዩ ናብ ዝብል መደምደምታ ዝኸይድ ዝነበረ ወረን ቤላቤሎን እቲ ሓደ ጉጅለን ኣጭፋራቱን ብስምዒት ዓወት እንተፀንብልዎ እዚ ዝብሃል ምውዳድ ዘለዎ ዘይመስል እቲ ካልእ ጉጅለን ሰራሕቲ ተረኹን ድማ ብተቓውሞ እንተልዕልዎ ክንዕዘብ ምቕናይና ዝዝከር እዩ።

“ኣለኹ እየ” ምባል ጥዑም እዩ። “ኣለኹ እየ” ኢልካ ምሕሳብ ፅቡቕ እዩ። ህላወኻ ግን ኣብ ዝጭበጥ ነገራዊ ሓይልን ዓቕምን ክምርኮስ እንተዘይኪሉ ዕቡይ ሞት ካብ ምውላድ ሓሊፉ ትርጉም ክህልዎ ኣይክእልን። ንጌታቸው ረዳ ክስከም፣ ከም መራሒ ክቕበል፣ ክሕግዝን ክፍተቱ መሊኡ ክንቀሳቐስን ሕቐ ዘይረኸበ ጉጅለ ህወሓት ኣይኮነን ኣብ ቅድሚ ፀላእተይ ዝብሎም ኣካላት ኣብ ቅድሚ ፈተውቱ እኳ ደው ክብል ዘኽእሎ ቁመና ክህልው ኣይኽእልን። በዚ መሰረት ድማ ምስ “መንግስቲ ፌደራል ብምርድዳእ ነቲ ምስ መንግስቲ ፌደረል ርክብ ኣለዎ ብዝብል እንኸሶ ዘለና ጌታቸው ክንቅይሮ ኢና” ዝዓይነቱ ክትርድኦ ዘፀግም ኣካይዳ ሒዙ ነዊሕ ተጓዒዙ ቤት ትግራይ ጎይታ ደገ ክውንኖ ናብ ምግባር ኣትዩ ኣሎ።

ነቲ ትማሊ ብቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ዝወፀ ጥቆማ ፕረዚደንት ዝሓትት መግለፂ ስዒቡ ግብረ መልሲ ዝሃበ እቲ ጉባኤ ኣካይደ ዝብል ህወሓት

ስምምዕ ፕሪቶሪያ ካብ ዝፍረም ክልተ ዓመትን መንፈቕን ከም ዝኾኖ ምስ ኣዘኻኸረ “ብወገን ህወሓትን ትግራይን እቲ ስምምዕ ብቕልጡፍ ንክፍፀም ተሰሪሑ እዩ።” ብምባል ሓፈሻዊ ገምጋም እቲ ዝብርቕርቕ ዝበለ ናይ ክልተ ዓመት ፃንሒት ጠቐሰ። “ምእንተ ሰላም ክብሃል ትግራይ ክትሽከሞም ዘይግብኣ ግፍዕታት ተሸኪማ ፀኒሓ እያ።” ብምባል ሓቂ ዝመስከረ እቲ መግለፂ “ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ክፍፀሙ ዝግብኦም ብፍላይ ንመሰልን ሃለዋትን ትግራይ ዝምልከቱ ወሰንቲ ትሕዝቶታት እቲ ስምምዕ ናይ ምፍፃም ተግባር ዘይኮነስ ኣብቲ ስምምዕ ዘየለዉ ጉዳያት ብበይናዊ ውሳነ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኣብ ምፅዓንን መስርሕ ሰላም ኣብ ዝጎድኡ ተግባራትን ተፀሚዱ ይርከብ። “ ብምባል በቲ ሓደ ወገን ኣሎ ዝበሎ ክፍተት ገሊፁ።

“ህዝቢ ትግራይ ዛጊድ ዝተመረፀ መንግስቲ ክህልዎ ይግባእ ነይሩ” ክብል ካብ ደሙ ንፁህ ዘድምፅ ቃል ዝጠቐሰ እቲ መግለፂ “ይኹን እምበር” ብምባል ንመንግስቲ ፌደረል እንትኸስስ ተራእዩ። “ይኹን እምበር መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፈፃፅማ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብዝተኸተሎ ግጉይ ኣካይዳን ፖለቲካዊ ሕምስምስ ክህሉ ብምስርሑን ክገሃድ ኣይክኣለን።” እዩ ዝበለ እቲ መግለፂ።

ትግራይ ኣብዚ ክልተ ዓመት ዝስራሕ ተሰሪሑ ስሩዕ መንግስትነት ክህልዋ ዘኽእል ዕድል ዝነበረ እኳ እንተኾነ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተጣየሸ ግዝያዊ ምንግስቲ ብላዕለዎት መሪሕነት ውድብ ህወሓት ካብ ሰናይ ጉሓቱ ተወንጂሉን ተፈሪጁን ሓንቲ ትእዛዝ እኳ ዘፈፅም ግርማ ስኢኑ ነንባዕሉ ክናቖር ምፅንሑ ኣፍልጦ ክህብ ዘይደሊ ዘይመስል እዚ መግለፂ፡ ናይ ባዕሉ ዝፍለጡ ፀገማት ንዘለወዎ ንመንግስቲ ፌደራል እንትኸስስ ተራእዩ ኣሎ።

“ብፍላይ ኣብዚ ዘለናዮ ወቕቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝፀንሑ ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝፃብኡ ተግባራት ካልኦት ሓደሽቲ ጥሕሰታት ብመንግስቲ ኢትዮጵያ እናተፈፀሙ ይርከቡ።” ዝበለ መግለፂ እቲ ንፅል ሓይሊ፡ “ብመሰረት ዓንቀፅ 3 ስምምዕ ፕሪቶሪያ ሓዲኡ ተወዓዓሊ ወገን ነቲ ካልእ ወገን ብቐጥታ ይኹን ተዘዋዋሪ ናይ ዘይምጥቃዕ ግቡእ ኣለዎ።” ምስ በለ “ናይ ተፃብኦ ስራሕቲ ፕሮፖጋንዳን ሚድያን ክልኩላት እዮም።” ክብል በፂሑኒ ዝበሎ መጥቃዕቲ ኣቃሊሑ። “እዞም ግልፂ ግቡኣት ብምጥሓስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሃለዋት ትግራይ ዝፈታተን ኩነታት ክፍጠር ምስራሕ ካብ ዝጅምር ነዊሕ እዋን ኣቑፂሩ ኣሎ። ዓቐን ዘየብሉ ሃፍቲ ኣፍሲሱ ይረባረብ ኣሎ። “ ክብል እውን ከሲሱ።

“እዚ ከም ዘለዎ ኮይኑ” ይብል እቲ መግለፂ፡ “እዚ ከም ዘለዎ ኮይኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕዚ እውን ንመንፈስን ትሕዝቶን ስምምዕ ደው ምባል ተፃብኦ ንጎኒ ብምግዳፍ ተወዓዓልቲ ወገናት ብልዝብን ብምርድዳእን ብዝበፅሕዎ ናይ ሓባር ስምምዕ ዘይኮነስ ኣግባብነት ብዘየብሎም ሕግታት ማለት እውን ኣዋጅ 359/1995፤ ደንቢ 533/2015 በይኑ ከም ድላዩ እናወሰነ ንምኻድ እናሰርሐ ይርከብ።” ክብል ኣቐዲሞም ንዝወፁ ይፍለጦም ኣይፍለጦም ዘይፍለጡ ኣዋጃት ብምጥቃስ ከሲሱ።

“ብመሰረት ዓንቀፅ 10 ስምምዕ ፕሪቶሪያ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብልዝብ ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ይጣየሽ” በለ እሞ “ኣብ ትግራይ ዝተጣየሸ ግዚያዊ ምምሕዳር ውፅኢት ስምምዕ ፕሪቶሪያ እምበር ጉዳይ በይናዊ ውሳነ መንግስቲ እትዮጵያ ኣይኮነን። እንተኾነ ግን ነዚ ዝጥሕስ ቅሉዕ ምንቅስቓስ ይግበር ኣሎ።” ክብል ገሊፁ።

“ኣብ ዝሓለፉ እዋናት መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ኣብ ዝነበሮም ርክባት ህወሓት ኣብ ግዚያዊ ምምሕዳር ዝፀንሐ ፕረዚደንት ምልዓሉ ስዒቡ ኣተኻኽእኡ ዝምልከት ተዘራሪቡ እዩ” ክብል ውፅኢት እቲ ኣብ ሕሉፍ ሽድሽተ ሸውዓተ ኣዋርሕ ናብ ሸዋ ዝተመላለሰ መሪሕነት እቲ ሓደ ጉጅለ ህወሓት ኣብርሀ እሞ፡ “በዚ ኣቢሉ ‘ውን ክሳብ ሕዚ ዘሎ ኣፈፃፅማ ግዚያዊ ምምሕዳር ብምግምጋም ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ንምቕያር ኣብ ስምምዕ ተበፂሑ።” ክብል ናይ “ንምንታይ እማ ጠሊምካኒ” ቆዛማይ መንፈስ ኣቃሊሑ።

ንፈለማ እዋን ክብሃል ብዝኽእል ወረን ቤላቤሎን ሓቂ ከምዝኾነ ዘረጋግፅ ሓበሬታ ዝሃበ እቲ መግለፂ ምስ ጌታቸው ተፃሊኡ ምስ ኣብይ መኺሩ ዝወሰኖ ውሳነ ፕረዚደንትነት እንተገልፅ “ጀነራል ታደሰ ወረደ ፕረዚደንት ንክኸውን ማ/ኮሚቴ ህወሓት ወሲኑ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ‘ውን ተቐባልነት ረኺቡ እዩ።” ክብል ጠቒሱ። እቲ መግለፂ ብኣፍደገታት ፕሮፖጋንዳ እቲ ሓደ ፍንጫል ህወሓት ይውሃቡ ናይ ዝነበሩ “ጀነራል ታደሰ እንኳዕ ደስ በለካ” ዝብሉ መግለፅታተታት ሓቃውነቶም እውን ኣረጋጊፁ። ኣብዚ ጉዳይ እዚ ኣድሂቡ ንሓደ ሚድያ ቃሉ ዝሃበ ጀነራል ታደሰ ወረደ “ ፕረዚደንትነት ንስለ ሽመቱ ዘይኮነስ ክትሰርሓሉ ኣለካ” ዝዓይነቱ ብጭቡጥ እንታይ ከምዝበለ ዘይፍለጥ ሓሳብ ሂቡ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ ሕዚ ወፂኡ ብዘሎ መግለፂ መሰረት ግን ኣቐዲሙ ይፈልጥን ስምምዕ ክልቲኦም ኣካላት ይርዳእን ምንባሩ ቅሉዕ ኮይኑ ኣሎ።

“ጠሊምካኒ ኣርኢኻ ከሊእኻኒ” ዝብል ድምፀት ዘለዎ መግለፂ እዚ ጉጅለ ህወሓት “እዚ ስምምዕ ንጎኒ ብምግዳፍ ብቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝተወዝዐ ፃዊዒት ጥቆማ፤ ፕረዚደንት ናይ ምሻም ስልጣን ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር በይናዊ ዉሳነ ዘምስልን ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝጥሕስን ኣካይዳ ስለዝኾነ ተቐባልነት የብሉን።” ክብል ገሊፁ ኣሎ። ልዕሊ “ተቐባልነት ኣይብሉን” ምባል ከ እንተይ ክህሉ ይኽእል? “እሞ እንታይ?” እንተተብባለ ኸ እንታይ ክገብር ይኽእል? እቲ ኣገዳሲ ሕቶ ኮይኑ፡ ሓው ኣብ ልዕሊ ሓዉ ምሰተልዓለ ናይ ዝህልው ፍቕርን እምነትን ጓና ርክብ ምሕሳብ እኹል መልሲ እዩ።

ከም ትካል ካብ መንግስቲ ፌደራል፡ ከም ኣካል ድማ ካብቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ሓልዮትን ናባይነትን ዝምነን ዝምሕፀንን ዝመስል እዚ መግለፂ፡ “ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ ፅንተታዊ ኲናት ዝበፅሖ ማህሰይቲ ንኽከሓስ ፃዕሪ ኣብ ክንዲ ምግባር ከም ነዳዲ ዝበሉ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝመሓደሩ ወሰንቲ ሸቐጣት ከይኣትዉ ብምኽልካል ኣብ ትግራይ ዝካየዱ ናይ ሂወት ምድሓንን ዝርካቦም ስራሕትን ጠጠው ክብሉ ብምግባር ብሂወትን ናብራን ተጋሩ ምፅዋት ቀፂሉ ኣሎ።” ክብል ንህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ውግንና ኣብሪሁ።

“ከም’ዚ ዝኣመሰሉ ኢሰብኣዊ ተግባራት ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ጥራሕ ዘይኮነስ ንዓለምለኻዊ ሕግታት ዝፃብኡ ኣዝዮም ኣነወርቲ ፀረ ደቂ ሰባት ዝኾኑን ብገበን ምፅናት ዘሐትቱን ተግባራት እዮም።” ኢሉ ከፈራርሕ ዝፍትን እዚ መግለፂ፡ “ብተወሳኺ ሰላም ህዝቢ ዝሕምሱ ሰፋሕቲ ምንቅስቓሳት ይግበሩ ኣለው።” ክብል ምስ ገለፀ “ሰላም ዓቂቦም ዋጋ እናኸፈሉ ዘለዉ ብልሒ መኸተ ዝኾኑ ሰራዊት ትግራይን ኣመራርሑኡን ብ”ብዕራይ ወለደ” ብትካላት መንግስቲ ኢትዮጵያ ይውንጀሉ ኣለው።” ብምባል ኣብ ልዕሊ መሪሕነት ሰራዊት ዝተርኣዩ ናይ ክሲ ምልክታት ወቒዑ።

ንባዕሉ ህወሓት እናበለ ዝፅውዕ እዚ ጉጅለ “ደጋጊሙ እናገለፆ ከም ዝመፀ እቲ ትኹረት ኣብ ምፍፃም ቀንዲ ትሕዝቶታት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ማለት እውን፤ ኣብ ትሕቲ ወራር መቐፀልታ ፅንተት ዝኾኑ ማእለያ ዘየብሎም ግፍዕታት ዝፍፀመሉ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ሓራ ንክወፅእ፤ ናብራ ሓሳረ-መከራ ዝደፍኡ ዘለዉን ብሕፅረት መሰረታዊ ንወዲሰብ ክቐርቡ ዝግብኦም ጠለባት ኣደዳ ሞት፣ ሕማምን ስቅያትን ዝኾኑ ዘለዉ ካብ መነባብርኦምን መረበቶምን ዝተፈናቐሉን ዝተሰደቱን ዜጋታት ናብ መረበቶም ክምለሱ ክግበር፤ ላእላውነት ትግራይ ክረጋገፅ፤ ፍትሒን ተሓታትነትን ክነግስ፤ ዝተፈላለየ ጉድኣት ዝበፅሖም ክከሓሱ፣ ስራሕቲ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ክሳለጥ፤ ኣብ ትግራይ ዝተመረፀ መንግስቲ ክህሉ ርብርብ ክግበርን ተዛመድቲ ተግባራት ብመሰረት እቲ ስምምዕ ክፍፀሙን ደጊሙ ደጋጊሙ ይፅውዕ።” እንትብል ንመሰረታዊ ድልየተትን ብሄራዊ ሕቶታትን ህዝቢ ብትኽክል ኣውሲኡ።

“መንግስቲ ኢትዮጵያ ብግልፂ ይርኣዩ ካብ ዘለዉን ንህዝቢ ጎዳእቲ ዝኾኑን ሃወኽትን ጎንፂ ፈጠርትን ተግባራቱ ተቖጢቡ ዘላቒ ሰላምን ሓበራዊ ረብሓን ኣብ ዘረጋግፁ ተግባራት ከትኩር ፃውዒትና ነቕርብ።” ዝበለ እቲ ሓይሊ፡ “ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝፍፀም ብዘተን ምርድዳእን ክልቲኦም ፈረምቲ ወገናት ስለዝኾነ በይናዊ ውሳነታት ደው ክብሉ ደጊምና ነፍልጥ።” እውን ኢሉ። “ንዝምልከቶ ኩሉ” ኣብ ዝብል መዛዘሚኡ ድማ “ሕዚ እውን ከም ትማሊ ሕርያና ሰላምን ልምዓትን ምዃኑን ካብዚ ቅኑዕን ጠቓምን መንገዲ ንዘይምውፃእ ዝክኣለና ኩሉ ከም እንገብርን ክነረጋግፅ ንደሊ።” ክብል ገሊፁ ኣሎ።

ምስ ኣብይ ኣሕመድ ተመኻኺርካ ዘይወረደ ጌታቸው ረዳን ምስ ኣብይ ኣሕመድ ተመኻኺርካ ክሽየም ዝተደለየ ታደሰ ወረደን ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብፕረዚደንትን ምክትል ፕረዚደንትን ንትግራይ ዝመርሑ ኣካላት እንትኾኑ ሕዚ ስልጣን ክልቲኦም ኣካላት ኣብ ሕቶ ወዲቑ ብጥቆማ ተተኪኡ ይርከብ። እዚ ሓደ ዘረባ ለባማት የዘኻኽር። “ሓዉ ዝቐተለ፡ ጓና ኣይኣምኖን”

ሰላም ንትግራይ!

19 መጋቢት 2017

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *