TBS TV

“ህዝቢ ትግራይ ይቕረታ” ዝብሃለሉ መግለፂ መዓዝ?

…….ኣቦ ወንበር እታ ዓመት ምሉእ አብ ሕምስምስ ዝፀንሐት ዝኾነ ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ትማሊ ንዉሱናት ትካላት ሚድያ ዝሃቦ መግለፂ ሰሚዕናዮ።

…….መሬቱ ንዝተወረረ ህዝቢ…. ደቁ ገቢሩ ዝባኑ ንዝቐለለ ጥሪቱ ሂቡ ፆሙ ንዝሓደረ ህዝቢ….. ክብሩ ንዝተቀነሰ ተስፍኡ ንዘሃሰሰ ህዝቢ…. ምሕደርኡ ንዝተኸልአ ግቡ ንዝፈረሰ ህዝቢ…. ክብሃል ዝግብኦ ዝነበረ መግለፂ ከምዚ እዩ:

“ንዓኻ እትመስል ጅግና ህዝቢ መሪሐ ካብ ሓደጋ ኣየድሐንኩን እሞ…. ታሪኻዊ ውድብካ ካብ ጥፍኣት ዋጋ ዝተኸፍሎ ተስፋኻ ካብ ምፅልማት ከድሕነካ አይካኣልኩን እሞ…. ሕዚ እውን ካብ ደበና ኩናት ክትወፅእ ተስፋ ሕውየት ክተብርቕ ኣይሓገዝኩኻን እሞ..:.. ብሰሜንን ደቡብን ዘለዉ ፀላእትኻ ካብ ነባር ትልሚ ኩናት ክወፁ ደፋኣይ ግደ ኣይተፃወትኩን እሞ…. ድማ ንዓይ ወሊድካ ኣይመኸንካን እሞ…. ደጊም ዝግበር ግበር” ክብል ንቡር ምኾነ ነይሩ ። ብዙሓት መራሕቲ ከምኡ ገይሮም እዮም። ብኡ ድማ ንባዕሎም ሓወልቲ ጅግንነት…. ህዝቦም ቀፃሊ ሕውየት….. ንዓዶም ድማ ስግግር ድሕነት ፈጢሮም እዮም።

ቲቢኤስ

ወርቃዊ

03 ነሓሰ 2017

መቐለ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *